ትርሓስን ግርማይን ቆልዓ ወሊዶም!

plaatje 1

tekst 1

ኣማንዳን ጃክን ቈልዓ ወሊዶም ኣለዉ!

ትርሓስን ግርማይን ተሓጉሶም እዮም ዘለዉ።
ሎሚ መዓልቲ ቆልዓ ወሊዶም።
እታ ህጻን ጓል እያ።
ስማ ሰላም ትበሃል።
ግርማይ ናብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከይዱ።
ቆልዓ ከም ዝተወለደት ሓቢሩ።

plaatje 2

tekst 2

እታ ቖልዓ ካብ ትውለድ ቁሩብ መዓልታት እያ ጌራ

ሕጂ እታ ህጻን ካብ ትውለድ ቁሩብ መዓልታት እያ ጌራ ዘላ።
ሕጂ ካብ ኩሮ ኹሮ ናይታ ህጻን ደም ክውሰድ ይከኣል እዩ።
እዚ ካብ ኵርዅረ ህጻን ደም ብምውሳድ ዝካየድ መርመራ እዚ፡ ዝምልከቶ ህጻን ብእተፈላለዩ ሓደገኛታት ሕማማት ተጠቒዑ ከይከውን ንምፍላጥ ዝግበር እዩ። 
ካብ ኩሮ ኹሮ ደም ብምውሳድ ንኹሎም ሕማማት መርሚርካ ክትፈልጦም ኣይከኣልን እዩ።

Plaatje 3

tekst 3

ካብ ኩሮ ኹሮ ደም ዝውሰድ ንምንታይ እዩ?

ሓንቲ ሰራሕተኛ ትካል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና፡ ነዚ ካብ ኵርዅረ ህጻን ደም ብምውሳድ ዝካየድ መርመራ ንምትግባር ካብ ህጻን ሜጋን ውሑድ መጠን ደም ትወስድ። 
ኣብቲ ዝወሰድዎ ደም ድማ ሰላም ሓደገኛ ሕማማት ከይህልዋ ምርመራ ይገብሩ።
 
እዞም ሕማማት እዚኣቶም ሳሕቲ ዘጋጥሙ እዮም። 
ብገለ ካብ’ዞም ሕማማት ንእተጠቕዐ ህጻን፡ መድሃኒት ወይ ፍሉይ መግቢ ክወሃቦ እዩ። 
ከም’ዚ ኣብ ዘጋጥመሉ፡ መስርሕ ፍወሳ ብቐጥታ ከምዝጅመር ምግባሩ ኣገዳሲ እዩ።  
 
ካብ ኩሮ ኹሮ ደም ወሲድካ ምርመራ ምግባር ኣድላዪ እዩ።

ካብ ኩሮ ኹሮ ደም ወሲድካ ዝግበር ምርመራ ብነጻ እዩ።
ካብ ኩሮ ኹሮ ደም ዝውሰድ ብድሌት ጥራሕ እዩ።
እዚ ካብ ኵርዅረ ህጻን ደም ብምውሳድ ዝካየድ መርመራ እዚ ኣብ ልዕሊ ውላድኩም ክካየድ ድልየት ምስዘይህልወኩም፡ ብኽብረትኩም ነቲ ዝከታተለኩም ትካል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ እዚ ኣፍልጥዎ።   

Plaatje 4

Tekst 4

ካብ ኩሮ ኹሮ ደም ወሲዱ ዝምርምር መን እዩ?
 

ኣብ ክሊኒክ ዌል-በይቢ እትነጥፍ ሓንቲ ሰራሕተኛ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና፡ ንኣማንዳን ጃክን ናብ ገዝኦም ክትከዶም እያ። 
ንሳ ካብ ኩሮ ኹሮኣ ደም ተወሲዱላ።
 
ኣብ ገለ እዋናት፡ እዛ ሰራሕተኛ ትካል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣቐዲማ ቈጸራ ክትሕዝ እያ። 
  
ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብናይ ክፍሊ ሕርሲ ሓኪም ወይ ብድሕሪ ሕርሲ ብዝኣልይ ሓኪም ካብ ኩሮ ኹሮ ደም ይወስድ እዩ።
እንተደኣ ውላድኩም ኣብ ሆስፒታል ኣሎ፣ እቲ ካብ ኩሮ ኹሮ ዝውሰድ ደም ኣብ ሆስፒታል ይፍጸም።
 
ውላድኪ ኣብ ገዛ ምስ ዝህሉ፡ መጀመርታ መርመራ ምስማዕ ድሕሪኡ ድማ ምውቃጥ ሸኾና ክገብሩ እዮም። ብዛዕባ ፈተና ምስማዕ ኣብቲ ብሮሹር ዝያዳ ኣንብብ።

Plaatje 5

Tekst 5

ብኸመይ እዩ ካብ ኩሮ ኹሮ ደም ዝውሰድ?

 
እቲ ሓኪም ኣብ እግሪ ናይ ህጻን ኪኪ መርፍእ ይወግእ።
እታ እተወግአት እግሪ ቁሩብ ክትደሚ ክትጅምር እያ። 
ሓንሳብ የሕምም እዩ።
ሜጋን ብመጠኑ ክትበኪ ተኽእሎ ኣለዋ። 
 
 መመርመሪ ካርድ ናይ’ዚ ካብ ኵርዅረ ህጻን ደም ብምውሳድ ዝካየድ መርመራ ደም ምስተመልአ፡ እቲ ካርድ ኣብ ሰታሪት ይዕሸግ። 
ብድሕር’ዚ እቲ ሓኪም ነቲ ደም ናብ ላባራቶሪ ይሰዶ።
ኣብኡ ድማ ነቲ ደም ይምርምርዎ።

ውጽኢት ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት
 
ኩሉ ጽቡቕ ድዩ ዘሎ?
 

እቲ ውጽኢት መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ እዩ።
ደብዳቤ ድማ ይለኣኸልኩም።
ኣብ ውሽጢ ናይ 5 ሰሙናት እዋን ክስደድ እዩ። 
ሓደ ሓደ ግዜ  እቲ ህጻን ሕማም ይሃልዎ ኣይሃልዎ ኣብቲ ደም ጽቡቕ ጌሩ ኣይረኣዮምን እዩ።
እምበኣር ካብ ኩሩ ኹሮ እንደገና ደም ይወስዱ።
 
ውጽኢት እወታዊ ኰይኑ ምስዝጸንሕ፡ ሓፈሻዊ ዶክተር ዝዀነ ሓኪምኩም ብተሌፎን ክረኽበኩም እዩ። 
እምበኣር ውላድኩም ከም ብሓድሽ መርመራ ንኽገብር ናብ ሆስፒታል ይኸይድ።
ብድሕር’ዚ፡ እዚ ሕማም እዚ ኣባኻትኩም ወይ ኣብ ውላድኩም ምህላዉን ዘይምህላዉን ክትፈልጡ ኢኹም። 

Plaatje 6

Tekst 6

ተሰካሚ ምዃን፣ ግን ኣይሓመምካን

ሓደ ሓደ ግዜ ቆልዓ ተሰካሚ ሕማም ስኪል ሴል እዩ። እዚ ሕማም ደም እዩ።

እቲ ህጻን ግን ኣይሓምምን እዩ።
 
በዚ ካብ ጎሮሮ እቲ ህጻን ደም ዝወስድ መርመራ፡ ውላድካ ተሸካሚ ናይቲ ሕማም ምዃኑ ክትፈልጥ ትኽእል።
 
ውላድካ ተሸካሚ ዋሕዲ ደም ሲክለ ሴል እንተኾይኑ ክትፈልጥ እንተደሊኻ።
ደም ዝስሕብ ሓኪም ንገሮ።
ድሕሪኡ ውላድካ ተሸካሚ ሕማም ሲክለ ሴል ድዩ ኣይኮነን ይንገረካ።
 
ንዝያዳ ሓበሬታ፡ በጃኹም ምስታ ትከታተል ዘላ መሕረሲትኩም ወይ ሓፈሻዊ ሓኪምኩም ተወከሱ።

Plaatje 7

Tekst 7

ጽቡቕ ጥዕና

 
ሓደ ህጻን ካልእ ሕማማት ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ካብ ሸኾና ደም ብምውሳድ ንኹሉ ሕማማት ምፍላጥ ኣይከኣልን እዩ።

 ውላድካ ጽቡቕ ስምዒት ከምዘይብሉ እንተጠርጢርካ ናብ ሓኪምካ ውሰዶ።

Plaatje 8

Tekst 8

በቲ መመርመሪ ካርድ ናይ’ዚ ካብ ኵርዅረ ህጻን ደም ብምውሳድ ዝካየድ መርመራ ደም እንታይ እዩ ዝግበር? 
 

እዚ ካርድ እዚ፡ ካብ ኵርዅረ ህጻን ደም ምስተወስደ ን 5 ዓመታት ክዕቀብ ዝከኣል እዩ።  
ነዚ ናይ ህጻን ካርድን ነቲ ንዕኡ ዘሰኒ ሓበሬታን ኣብ መዓላ ናይ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ከውዕልዎ ተኽእሎ ኣሎ። 
እዚ መጽናዕቲ እዚ ድማ ኣብ ምምሕያሽ ናይ’ዚ ካብ ኵርዅረ ህጻን ደም ብምውሳድ ዝካየድ መርመራ ደም ዘተኰረ እዩ ክኸውን። 
እዚ ካርድን እቲ ንዕኡ ዘሰኒ ሓበሬታን ካባኻትኩም ፍቓድ ብምርካብ ጥራይ እዩ - ኣብ ጠቕሚ ክውዕል ዝከኣል። 
በዚ ምኽንያት እዚ፡ እታ ሰራሕተኛ ትካል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ፍቓድ ንኽትህቡ ክትሓተኩም እያ። 
እቲ መጽናዕቲ መንነትኩም ብዘይቃልዓሉ ኣገባብ እዩ ክሰላሰል፤ ማለት፡ ስምን ኣድራሻን ናይ ውላድኩም ከይተገልጸ። 
ፍቓድ ምስዘይትህቡ፡ እቲ ካርድ ድሕሪ 1 ዓመት ክጓሓፍ እዩ። 
 

Tekst 9

ብኽብረትኩም ናብ www.pns.nl/hielprik እተዉ ወይ ንዘለኩም ዝዀነ ይኹን ሕቶ ናብ’ታ እትከታተለኩም መሕረሲት ኣቕርብዎም።  

ነዚ ጽሑፍ ዘዳለወ፦ ሃገራዊ ትካል ህዝባዊ ጥዕናን ኣከባብን
PO Box 1 | 3720 BA Bilthoven 
 
ታሕሳስ 2022